Watch Eritrean Orthodox Mezmur 2018 KABTI ZKONE ካብቲ ዝኾነ on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website
2. “ካብቲ ዝኾነ ብዘይ ብኣኻ ዝኾነ የለን”
ዋንነትን ግጥምን ዜማን ብሓውና ዲ/ን ሚካኤል ወልደማርያ(ወዲ ማርዮ)፡ ምስ ዲ/ን ሙሴ ዑቅባሥላሴ ዝተዳለወት መዝሙር እያ። ሰሚዕና ንካልኦት ውን እንዳ ኣካፈልና ንፍቕሪ: ንበረኸትን ንኣምላኽ መወደስን ንግበራ ።
መሰል ወነንቲ ዝተሓለወ እዩ! ወነንት ገጠምትን ብዙሕ ጻዕርታት ስለ ዘፍሰሱላ፡ ብጀካ ኣብዛ Channel እዚኣ “Harnet Estifanos (HE Tube)”፡ ኣብ ካልእ Channel ከይትዝርጋሕ ብትሕትና ንሓትት።
ካብቲ ዝኾነ ብዘይብኣኻ ዝኾነ የለን
ኲሉ ብኣኻ ተግባር ናይ ቃልካ ሰማይን ምድርን
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሔር ኣብ ዙፋን ሰማይ ዘልዓለም ትነብር
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ኣብ ጠፈርን ባሕርን
ህላዌኻ ኣብ ኲሉ ምሉእ ኣይጎድልን
ናይ ጐይቶት ጐይታ ኢኻ ዘልዓለም ሥልጣንካ
ከማኻ ኣይረክብን ዝዳረግ ምሳኻ
ኣምላኽ ዘልዓለም ንስኻ ኢኻ
ኣዝ——————————–
ዓመት ብምሕረትካ ጐይታይ ትኽልላ
ምድሪ ብኽብርኻ ሓጐስ መሊኣ ኣላ
ክረምቲ ይኹን ትብል ዝናብካ ይፈስስ
ልቢ ዂሉ ፍጥረት ብኣኻ ይሕጐስ
ንዓቢ ስምካ ውዳሴ ይውድስ
ኣዝ——————————–
መብረቅ ነጐድጓድን ንፋስን ማዕበልን
ብቃልካ ይእዘዙ ንኻልእ ኣይሰምዑን
ኣብ ዝፋን ናይ ኪሩብ ብኹሉ ትምስገን
ንግስነትካ ፍሉይ ዝመስለካ የለን
እግዚኣብሔር ተመስገን
ኣዝ——————————–
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ
Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.