Quantcast
Channel: Orthodox Tewahido – WongelTube
Viewing all articles
Browse latest Browse all 803

Watch Eritrean Orthodox Mezmur 2018 NAY NEGER TEFETRO ናይ ነገር ተፈጥሮ

$
0
0

Watch Eritrean Orthodox Mezmur 2018 NAY NEGER TEFETRO ናይ ነገር ተፈጥሮ on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website

3. “ናይ ነገር ተፈጥሮ”
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙር ኮይና፥ ኣብ ውሽጢ Album Name “ካብቲ ዝኾነ ብዘይ ብኣኻ ዝኾነ የለን” እትርከብ ኮይና፥
ዋንነት ብሓውና ዲ/ን ሚካኤል ወልደማርያም (ወዲ ማርዮ)፡ ምስ
ዲ/ን ሙሴ ዑቅባሥላሴ ዝተዳለወት መዝሙር እያ። ሰሚዕና ንካልኦት ውን እንዳ ኣካፈልና ንፍቕርን፡ ንበረኸትን ንኣምላኽ መወደስን ትኹነልና።
መሰል ወነንቲ ዝተሓለወ እዩ! ወነንትን ገጠምትን ብዙሕ ጻዕርታት ስለ ዘፍሰሱላ፡ ብጀካ እዛ Channel እዚኣ “Harnet Estifanos (HE Tube)”፡ ኣብ ካልእ Channel ከይትዝርጋሕ ብትሕትና ንሓትት።
እግዚኣብሔር ሰላሙ የብዝሓልና።

ናይ ነገር ተፈጥሮ ትሕጎስ ትበኪ
ናይ ነገር ተፈጥሮ ትህብትም ትደኪ
ኣምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ካብ ኩሉ የሰልኪ
ኣምላኽ ዘይብሉ ናብራ ካብ ኩሉ የሰልኪ

ናይ ነገር ተፈጥሮ ኩሉ ይቀያየር
እቲ መሪር ይምቅር እቲ ምቁር ይመርር
ዝተሰብረ ይጽገን ዝተጸገነ ይስበር
ውቅያኖስ ጥልቀቱ ናይ ሕይወት ሰብ ምስጢር

ኣዝ——————————–
ኣሎ እናተባህለ ዝነበረ ይኸይድ
ዘይነበረ ይመጽእ ሓድሽ ሰብ ይውለድ
ኩሉ በብናቱ ኩሉ በብእብሩ
ኣብ ዓለም ምፍጣርና ሕይወት ይበራረ

ኣዝ——————————–
ናይ ነገር ተፈጥሮ ኣብ ሓጢኣት ትንፋፈ
ኣምላኽ የልዕለካ ሓመድካ ነጋፊ
ጥራይ ተስፋ ኣይትቁረጽ ኢድካ’ውን ኣይትሃብ
ሕጂ ክትመጽእ እያ እታ ናይ ድሕነት መርከብ

ኣዝ——————————–
ናይ ነገር ተፈጥሮ ኩሉ ይቀያየር
እቲ መሪር ይምቅር እቲ ምቁር ይመርር
ዝተሰብረ ይጽገን ዝተጸገነ ይስበር
ውቅያኖስ ጥልቀቱ ናይ ሕይወት ሰብ ምስጢር

ኣዝ——————————–
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ


Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.


Viewing all articles
Browse latest Browse all 803

Trending Articles