Watch Eritrean orthodox mezmure/ Kemzi Kemay Yelen on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website
ንድሕሪት ጠሚተ ማዕዶ ከቆምት ብዝክሪ
ቅንጣብ ብዝይጉድለት ኩሉ ናይ ኣእዳው ካ ግብሪ
መዓሙቅ ይበጽሖ ፍጹም ልበይ ብምሥትንታን ምሕረትካ ዘክበሮ ባርያስ ከምዝከማይ የለን
። ንሰማዒት እዝኒ ይሰምዕ ዛንታካ ኢድካ እትገብሮ
ዘውትር ነቲ ንዑቅ ሚሒር ከተክብሮ ሚሒር ከተክብሮ
ንሰማዒት እዝኒ ነቲ ትሑት ባርያ ኢድካ ክትሕብሕቦ
ከቶ ድንጹው ይብሎ ኣእምሮይ ክሓስቦ ኣእምሮይ ክሓስቦ
ኣነ ግን ሪኤዮ ተኣምር ግብርካ ክምቅጽበት ከም ዓይኒ ኣብታ ሰዓት ጥፍኣት ምሕረት ክትበጽሓኒ
ኣነ ግን ሪኤዮ ትከቢድ ደመና ሻቡ ተበቲኑ ጸሓየይ በሪቃ
ሕሉፍ ታሪክ ኾይኑ
ንድሕሪት ጠሚተ
ዝተቀብጸ ጎበዝ ኣልኣዛር ከሓደ ኣብ ማእከል ኣሓቱ
መግነዙ ፈቲሕካስ ብሂወት ናብ ቤቱ ብሂወት ናብ ቤቱ
ዝተቀብጸ ጎበዝ እንኮ ንወላዲ ወዲታ መበለት ትእዛዝ ቃልካ ኣምጺዎ ካብ ዓዲ ሙውታት ዓዲ ሙውታት
ቃልካ በጺሓቶ ኣልኣዛር ባርያካ ዳግማይ ዝተቀብጸ መግነዝ ናይ ሓደጋ ኣብ ነብሱ ምስ መጸ ኢድካ በጺሓቶ ትትርፊ ወላዲ ትሑት ዱኩም ባርያ ከገልግል ንስምካስ ዕድም ኡ ኣንዊሕካያ
ንድሕሪት ጠሚተ
ዝነበረ ኣይኮነን ካበይ ዘነበረ ይፈልጣ ንዴ ቤተይ
ዶቺማስ ይሓይሽ ምሉእ በዓል ዉራይ ምሉእ በዓል ዉራይ
ዝነበረ ኣይኮነን ኢቲ ኩሎ ዘሎ ቤተይ ዘጽበቀ እኩል ትሩፍ ሺሻይ ጎነይ ዘማሞቀ ጎነይ ዘማሞቀ
ታይሞ ክብል የ ስለታ ለጋሲት ሂባ ዘይትርብርብ ጭራሽ ከይፈለየት ንኩሉ ትምግብ
ታይሞ ክብል የ ጎይታ ግብሪ ኣእዳውካ ኣመና በዚሑ ቤተይ ተባሪኩ ልበይ ተፈስሑ
ንድሕሪት ጠሚተ
ከማይ መን ይህሉ ኢድካ ዝበጽሖ ፍጹም ዝተረድአ ብላይ ውሽጥ ልቡ ቃሉ ዝተሰምዐ ቃሉ ዝተሰምዐ
ከምይ መን ይህሉ ምሉእ በዘይ ጉድለት ኢድካ ዘሕለፈሎ
ቁሊሕ ዝበልካዮ ዝኮንካ ጽላሉ ዝኮንካ ጽላሉ
ብፍቃድካ ይኩን ኣነ ውን ከዘንቱ ከምቶ ዘሓለፉ ምስጋና ውዕለትካ ንሽጉር ከተስፉ
ብፍቃድካ ይኩን ዘውትር በኣምልኮ ደው ክብል ብሂወት
ጎይታይ ንክብርካ ክሳብ ዕለተ ሞት
ንድሕሪት ጠሚተ
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ
Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.