Watch (ተመስገንካ ጎይታ)NEW ERITREAN ORTHODOX TEEAHDO MEZMUR 2017 (TEMESGENKA GOYTA) on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website
ተመስገንካ
ተመስገንካ ጎይታ ተመስገን ዘልኣለም
ንጉስ ኢኻ ንጉስ እወ መስፍን ሰላም
ምሕረትካ ዘይውዳእ ፍቕርኻ ዘይምርመር
ውዕለትካስ ድንቂ’ዩ ብኣ”ና ዘይንገር
ኣልዒልካና ካብቲ ሰልሚ መዋጽኦ ካብ ዘይብሉ
መሪሕካና መንገዲ ሂወት ነብስና ትድሕነሉ
ንኽብርኻ ዕልል ንብል ብዝማሬ ብመሰንቆ
እንብልታና ይንፋሕ ላዕሊ ንሰማያት ከንደቕድቖ
ኣበ ኣኽራናት ምድረ በዳ ክትመርሓና ዘይሰልከኻ
ከውሒ ኔርካ ዓይኒ ማይና ንጽምእ’ና ዘርወኻ
ምስ ማርያም ገማግም ባሕሪ ብዝማሬ ተጋቢእና
ዘሕለፍካና ከነመስግን ነዓኻ እሙን ጓሳና።
መጻኢና ኣብ ኢድካ’ዩ የለን ቅድሚት ንምልከቶ
ብርሃንካ ኣብርህ ኣብ ልዕሌና ናብ ልብና’ውን ይእቶ
ብዘይካኻ ርህሩህ ጎይታ ኣይምቅርን’ዩ ቲ’ናብራ
ከም ቀደምካ ኣብ ጎድንና’ኩን ኣይትፈለ ሓደራ
ዓይኒኩሉ ይጥምተካ መግቢ ክትህቦ ኣብ እዋኑ
ጉሁይ ይጽበ ንዓኻ ክትናዝዞ ሓዘኑ
ናይ መበለት ተጣባቒ ናይ ዘኻትም ኣቦ’ኢኻ
ፍትሒ ተውርድ ካብ ሰማያት መንኣሎ’ሞ ከማኻ።
ኣሜን፡ብኹሉ ፍጥረት ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክበር ንዘልኣለም።
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ
Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.